2 870 785 libros electrónicos en 110 idiomas
¿No le conviene? No hay problema. Puede devolverlo en un plazo de 30 días
No se equivocará con un vale de regalo. El destinatario puede elegir cualquier producto de nuestra oferta.
Política de devolución de 30 días
ኤዞፕ ካብ ከባቢ 620 ክሳብ 564 ቅ.ል.ክ (ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ)፡ ቅድሚ ኣስታት 2500 ዓመታት ኣቢሉ መአርታ ከም ባርያ ደሓር ግን ብውሕልነት ዘረቡኡን ብልሑን ናጽነቱ ዝረኸበን፡ ኣማኻሪ ነገስታትን ከተማ-መንግስታትን ክኸውን ዝበቅዐ፡ ኣፍሪቃዊ መበቆል ዝነበሮ ግሪኻዊ ተራኺ ጽውጽዋያትን እዩ ኔሩ ዝበሃል። ካብ ጥንታዊ መጽሓቲ ከም እንረኽቦ፡ ደጋዊ ምስሊ ኤዞፕ ከብዳም፡ ድንኪ፡ ደፍጫጭ ዝኣፍንጭኡ፡ ብሓፈሻ ንክትሪኦ ባህ ዘየብል ሰብ ምንባሩ ይዝንቶ፡፡ ብኤዞፕ ዝተጻሕፈ ስኑዳት መጽሓፍቲ እዃ እንተዘየለዉ፡ ብጽውጽዋያት ኤዞፕ ዝፍለጡ ብዙሓት ጽውጽዋያት ግን ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ብብዙሓት ቛንቛታት ተዘንቲዮምን ክሳብ ሎሚ እውን ይዝንተዉ ኣለዉ። ብዙሓት ካብ ጽውጽዋያት ኤዞፕ ንናይ ሰብ ዝመስል ገጸ ባህሪያት ዘለዎም እንስሳታትን ሂወት ዘይብሎም ነገራትን ዝልለዩን እዮም።