2 881 685 libros electrónicos en 110 idiomas
¿No le conviene? No hay problema. Puedes devolver los artículos hasta 30 días
No se equivocará con un vale de regalo. El destinatario puede elegir cualquier producto de nuestra oferta.
Hasta 30 días para devoluciones
ምስላ፡ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ቋንቋታት ዓለም ከም ግምጃ ኣፋዊ ያታታትን
ስነ ጽሑፍን፡ ኣብ ዘመናት ዝማዕበለን ዝተዘውተረን ኣገዳሲ ባህላዊ ውርሻ
ስለ ዝኾነ፡ ከም ላቔባ ብወዝቢ ዝመጽእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ምስላ፡
ሰብኣዊ ቋንቋታት ብባህሪኡ ከም ስውያን ባህላዊ ውርሻን ዘማዕብሎን
ልዑል ክብሪ ሂቡ ዘዘውትሮን ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ዘይንጸል ህያው ኣካል ባህልን
ብህለትን ምዃኑ የረጋግጽ። ኣብ ኩሉ ቋንቋታት፡ ምስላ ከም ባህላዊ ብሂል
መሰረታዊ ተመሳሳልነት ስለ ዘለዎ፡ ካብ ቋንቋ ናብ ቋንቋ ንታሪኽን ባህልን
ኣከባብን ዘንጸባርቕ ናይ ኣቀራርባን ተምሳሌትን ፍልልያት'ኳ እንተለዎ፡
በበይኑ ልብሲ ተኸዲኑ ሓባራዊ መልእኽቲ ስለ ዘመሓላልፍ፡ ብትሕዝቶኡን
መልክዑን ተመሳሳሊ እዩ። ስለዚ ከኣ'ዩ ትርጉምን መልእኽትን ምስላ፡ ዶብ
ባህልታትን ቋንቋታትን ሰጊሩ ከስተጋብእን ተቐባልነት ክረክብን ዘይጽገም።
ምስላ፡ ተመክሮን ምህሮን ህይወት ተሰሪቡ ብጥበብ ዝግለጸሉ ኣዝዩ
ሓጺርን ተዘካርን ዕንቊታት ልቦናን ማዕዳን ዝሓዘለ ብሂላት እዩ። እዚ
ማለት፡ ምስላ፡ ንልቦና፡ ፍትሒ፡ ጻዕሪ፡ ዓመጽ፡ ስስዐ፡ ቅንዕና፡ ሕያውነት፡
ወዘተ ዝኣመሰለ ኣድማሳዊ ቴማታት ዝምልከት፡ ብግዜ ከይበለየ ዘስተንትን፡
ዘለዓዕል፡ ዝምዕድ መልእኽቲ ሓዚሉ፡ ብውሕሉል፡ ክንየው ፊደላዊ ትርጉሙ
ስውጠት ህይወት ዝጾረ ዓሚቚ ሓሳባት ዝገልጽ፡ ውቁብን ኣንጸባራቕን
ሓረግ እዩ። ከም'ቲ ሓደ ደራሲ ዝበሎ፡ ምስላ፡ ነዊሕ ተመክሮ ዝወልዶ
ውሑድ ዝተመርጸ ቃላት ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ንዝማዕበለን
ዝተዋህለለን ሓባራዊ ክብርታትን ትዕዝብትታትን፡ ማለት፡ ሓባራዊ ሰብኣዊ
ሓቅታት፡ ንምስምዑ ባህ ብዘብል ሓጺርን ውሕሉልን ሓረጋት ስለ ዝገልጽ፡
ኣብ ሰብኣዊ ብህለት ከም ጸዋሪ ልቦናን ማዕዳን ዕዙዝ ተራ ኣለዎ። ኣብ
ርእሲ'ዚ ምስላ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብዝተመርጸ ሒደት ቃላት ረምታን
ሳምራን ብዘድሂ ቅንያታዊ መልክዕ ስለ ዝቐርብ፡ ጥበባዊ ጽባቐኡ መሳጢ
ይገብሮ።
¡Hola! Soy Libroamiko, tu asesor de libros.
¿Cómo puedo ayudarte?